ዋዛን ላዛን — Wazan Lazan #1 New Eritrean Audio Comedy

By | 24.02.2019



ኦድዮ ኮመዲ — Audio Comedy #1
«ዋዛን ላዛን» ዘርእስታ ኦድዮ ኮመዲና፡ ኣብ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ካብተን ቀዳሞት ኦድዮ ኮመዲ ኰይና ትስማዓና። ኣብ 2004 ድሕሪ ምዝዛማ ብንኡስ ዓቕሚ ኣብ ቅሳኔት ኤሌክትሮኒክስ (ኣስመራ) ክንዝርግሓ ፈቲንና። ዝያዳ ተፈላጥነት ዘሕደረት ግዳ ኣብ ራድዮ ዛራን ራድዮ ሳዋን እያ። ኣዳለውታ ሳሚኤል መንግስትኣብን ይስሓቕ ኣብርሃምን ምስ ኣፍራዪ መንግስትኣብ ካሕሳይን ብምትሕብባር ኢና ኣዳሊናያ። ሙዚቀኛታት፡ ኪቦርድ ገሬ በርሀ፡ ክራር ቴድሮስ ማርቆስ፡ ስቱድዮ ማን የማነ ኪዳነ ከምኡ’ውን ቶማስ መድሃኔ ተሳቲፎሙላ። ብመገዲ ኣፍራዪ ክሳብ 50,000.00 ናቕፋ ወጻኢ ተገይሩላ። ክቡራንን ክቡራትን ዩቱባውያን ንዝያዳ ዝርጋሐ ናባኻትኩም ነብላለና’ሞ እዝንታትኩም ብምጽላውን ኣዒንቲታትኩም ብምምዕዳውን ከተስተማቑሩልና ንላቦ። ሓደ፡ ቱ፡ ትረ……..!

source