ለቲና Letina #5 New Eritrean Video Comedy

By | 13.02.2019



«ለቲና» ኮመድያዊ ድራማ
ኤደን ሃብተሚካኤል ደራሲት ናይዛ ኮመዲ እያ። ኤደን ኣብ ብዙሕ ሞታታት ዝተዋፈረት ከም ዝነበረት እዝክር። ደራሲት፡ ተዋሳኢት፡ ገጣሚት፡ ኣናውንሰር፡ ኣትሌት፡ ማእከላይ ዳኛ፡ ጋዜጠኛ፡ ስነ-ጠበበኛ., , , ኰይና እጃማ ከተበርክት ኣስተውዒልናላ ንኸውን ዶ? እዛ ‘ለቱ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፈታ’ሞ ንመድረኻት ሲነማ ኣዝመራን ካፒቶልን ኣብ መፋርቕ ቴስዓታት ዘቕረብናያ፡ ፡ «ለቲና» ዝብል ኣርእስቲ ሂብና ንስእልን ኣርትኦትን ካብ እነብቅዓ ድማ 12 ዓመት ደፊና ኣላ። ኣብ መወዳእታ ክዋስኡዋ ዝኽኣሉ ሸዊት ዓንደብርሃን፡ ይርጋኣለም ኣብርሃም፡ በየነ ሰመረን ስምኦን በየነን እዮም። ኣብ ባር ሳሕል ቢለን (ከባቢ መካነ ህይወት} ድማ እያ ተሳኢላ። ከምተን ካልኦት ኣሓታ ኮመዲታት ትመስለሉ ኣጋጣሚ በጺሑ ኣሎ። ካብ ኤደን ጀሚርካ እቶም ኣባታ ድራማ ኢዶም ዝሓወሱ ብተዘክሮ ንድሕሪት ይምለሱ ዶ ይኾኑ? ክቡራት ተዓዘብትና ኸ ግብረመልስኹም እንታይ ክኸውን እዩ? ኣብ ኣሰራ ከኣ ናይ ኣብርሃም (ኣቢ) ድርፊ ምስ ጉጅለ መብሬ ተላሃይቲ ዳግም ክቕልቀሉ እዮም። ንኹሎም እቶም ኣብዛ ድራማ ሱታፌኦም ዘንጸባረቑ ኣዝየ አመስግኖም። ንኣዳላዊ Asmara Show ዳኒኤል ሃይለ ድማ ስለ እቲ በብግዚኡ ኤዲት ጌሩ እናከፋፈለ ዝልእከልና ዘሎ ከየመስገንክዎ ኣይሓክፍን። ንልዑል ፈጣሪና ድማ ዝለዓለ ምስጋና!

source